ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶ 2፦ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧

ሕቶ 2፦ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧

ሮማን፡ ናይ ቀረባ ዓርኩ ብሓደጋ ማኪና ኺመውት ከሎ፡ ገና ቘልዓ እዩ ነይሩ። “ሞት ዓርከይ ኣመና እዩ ኣሰምቢዱኒ። ድሕሪ እቲ ሓደጋ ንነዊሕ ዓመታት፡ ‘ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ” በለ።

ስለምንታይ ኢና ኸምዚ ኢልና እንሓትት፧

ሞት ሰብ ዘይባህርያዊ እዩ። ዕድመና ብዘየገድስ፡ ክንመውት ኣይንደልን ኢና። ብዙሓት ሰባት ከኣ፡ ድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዝዀኑ ይፈርሁ እዮም።

ገሊኦም እንታይ መልሲ እዮም ዚህቡ፧

ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ሞትና ኻባና ተፈልያ እትኸይድ ነገር ከም ዘላ ይኣምኑ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ቅኑዓት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ፡ እኩያት ግና ብሰሪ ሓጢኣቶም ንዘለኣለም ከም ዚቕጽዑ እዮም ዚኣምኑ። ገሊኦም ከኣ፡ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ኻብ ህልውና ኸም ዜቋርጽን ውዒሉ ሓዲሩ ፈጺሙ ኸም ዚርሳዕን ይኣምኑ።

እዚ መልሲ እዚ እንታይ ይእምት፧

እቲ ቐዳማይ ሓሳብ፡ ሰባት ብሓቂ ኸም ዘይሞቱ ይእምት። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ህይወት ትርጕም ከም ዘይብላ ይእምት። እቶም ከምዚ ኻልኣይ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም፡ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን” ዚብል ኣተሓሳስባ እዮም ዜሕድሩ።—1 ቈረንቶስ 15:32

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ሞትና ኻባና ተፈልያ እትነብር ነገር ከም ዘላ ኣይምህርን እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መክብብ 9:5) “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ከባቢኦም ዚፍጸም ነገራት ፈጺሞም ከም ዘይፈልጡ ይሕብር። ስምዒት የብሎምን፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ ምዉታት ንህያዋን ኪረድኡ ወይ ኪጐድኡ ኣይክእሉን እዮም።

ከምቲ ብዙሓት ዚኣምኑሉ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ኪሞቱ ዕላማኡ ኣይነበረን። ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብር እዩ ፈጢርዎ። ኣምላኽ ንኣዳም ብዛዕባ ሞት እተዛረቦ፡ ብዛዕባ እቲ ዘይተኣዛዝነት ዜስዕበሉ መቕጻዕቲ ኺነግሮ ኸሎ ጥራይ እዩ። ካብ ሓንቲ ኦም ከይበልዕ፡ ካብኣ እንተ በሊዑ ድማ ከም ‘ዚመውት’ ነገሮ። (ዘፍጥረት 2:17) ኣዳምን ሄዋንን እዙዛት እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ንሳቶምን ንኣምላኽ እዙዛት ዚዀኑ ዘርኦምን ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ምነበሩ።

ኣዳም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ በሎ። ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዘ፡ ሓጥአ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሞተ። (ሮሜ 6:23) ካብ ኣዳም ተፈልያ ብህይወት ዝቐጸለት ነገር የላን። የግዳስ፡ ኣዳም ምስ ሞተ፡ ካብ ህልውና ኣቋረጸ። ኣምላኽ ንኣዳም፡ “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) ኵልና ደቂ ሰብ፡ ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝዀንና፡ ካብኡ ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና።—ሮሜ 5:12

ዋላ እኳ ኣዳም ሕማቕ ውሳነ እንተ ገበረ፡ ኣምላኽ ነቲ ንምድሪ ብፍጹማት ዘርኢ ኣዳም ኪመልኣ ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽሞ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ ኢሳይያስ 55:11) ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሆዋ ንመብዛሕትኦም ምዉታት ኬተንስኦም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኺዛረብ ከሎ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሮማን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዑ፡ ካብኡ ኸኣ ብዛዕባ ሞትን ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን እንታይ ከም ዚብል ተማሂሩ እዩ። እቲ እተማህሮ ነገር ድማ፡ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ እዩ። ታሪኽ ህይወቱ፡ ኣብ ገጽ 11 እዛ መጽሔት እዚኣ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ።